ናብ HIVTEST.NO እንቋዕ ብሰላም መጻኻ

መርመራ አችኣይቪ ክትገብር ትደሊ እንተደኣ ኮይንካ መጀመርታ ኣብ እንዳ ቀዋሚ ሓኪምካ ወይ መመርመሪ ክሊኒክ ክትምርመር ንምሕጸነካ። ከምዚ ክትገብር እንተደኣ ዘይክኢልካ ኣብ Sjekkpunkt፡Minuttest ወይ ካልኦት testklinikker/መመርመሪ ክሊኒካት መንነትካ ብምስጢር ዝዕቀበሉ ፍጡን መርመራ አችኣይቪ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብዞም ቦታታት እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ንካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ውን መርመራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ከምኡ’ውን ሓገዝን ምኽርን ውን ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
እዞም ዝትጠቕሱ ዕድላት ምሳይ ኣይከዱን እዮም ትብል እንተኾይንካ ድማ መንነትካ ብምስጢር ዝዕቀበሉ ነጻ መመርመሪ ርእሰ-መርመራ ብፖስጣ ናብ ገዛኻ ክስደደልካ ይኽእል እዩ፡ እዚ ባዕልኻ ትገብሮ መርመራ ኮይኑ ድሕሪ ኣስታት 15 ደቓይቕ እዩ ውጽኢት ዝመጻካ።
ብፖስጣ መመርመሪ ርእሰ-መርመራ ክስደደሎም ዝኽእሉ መን እዮም፧
እዚ ዕድል እዚ ነቶም ሳሕቲ ወይ ብፍጹም ዘይምርመሩ ሰባትን እቶም አችኣይቪ ክሕዞም ዝተዛየደ ተኽእሎ ዘለዎም ሰባትን እዩ ዝምልከት።
እዞም ዝስዕቡ ጉጅለታት አችኣይቪ ክሕዞም ዝተዛየደ ተኽእሎ ኣለዎም:
- ወድ ምስ ወድ ስጋዊ ርክብ ዝፍጽሙ
- ፍልሰተኛታት/ስደተኛታት
- ስግረ-ጾተኛታት
- ኣመንዝራታት