Hivtest.no logo

ናብ HIVTEST.NO እንቋዕ ብሰላም መጻኻ

መርመራ አችኣይቪ ክትገብር ትደሊ እንተደኣ ኮይንካ መጀመርታ ኣብ እንዳ ቀዋሚ ሓኪምካ ወይ መመርመሪ ክሊኒክ ክትምርመር ንምሕጸነካ። ከምዚ ክትገብር እንተደኣ ዘይክኢልካ ኣብ SjekkpunktMinuttest ወይ ካልኦት testklinikker/መመርመሪ ክሊኒካት መንነትካ ብምስጢር ዝዕቀበሉ ፍጡን መርመራ አችኣይቪ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብዞም ቦታታት እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ንካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ውን መርመራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ከምኡ’ውን ሓገዝን ምኽርን ውን ክወሃበካ ይኽእል እዩ። 

እዞም ዝትጠቕሱ ዕድላት ምሳይ ኣይከዱን እዮም ትብል እንተኾይንካ ድማ መንነትካ ብምስጢር ዝዕቀበሉ ነጻ መመርመሪ ርእሰ-መርመራ ብፖስጣ ናብ ገዛኻ ክስደደልካ ይኽእል እዩ፡ እዚ ባዕልኻ ትገብሮ መርመራ ኮይኑ ድሕሪ ኣስታት 15 ደቓይቕ እዩ ውጽኢት ዝመጻካ።

ብፖስጣ መመርመሪ ርእሰ-መርመራ ክስደደሎም ዝኽእሉ መን እዮም፧

እዚ ዕድል እዚ ነቶም ሳሕቲ ወይ ብፍጹም ዘይምርመሩ ሰባትን እቶም አችኣይቪ ክሕዞም ዝተዛየደ ተኽእሎ ዘለዎም ሰባትን እዩ ዝምልከት።

እዞም ዝስዕቡ ጉጅለታት አችኣይቪ ክሕዞም ዝተዛየደ ተኽእሎ ኣለዎም:

  • ወድ ምስ ወድ ስጋዊ ርክብ ዝፍጽሙ
  • ፍልሰተኛታት/ስደተኛታት
  • ስግረ-ጾተኛታት
  • ኣመንዝራታት


ካብዘን ጉጅለታት ሓንቲአን ትምልከተካ እንተደኣ ኮይንና እሞ ኸኣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ መመርመሪ ቦታ ክትምርመር ዘይትኽእል እንተደኣ ኮይንካ ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ ብመገዲ ቻት/chat መመርመሪ ርእሰ-መርመራ ክትጠልብ ደስ ይብለና። ኣብኡ ቅድሚ መመርመሪ ርእሰ-መርመራ ምጥላብካ መንነትካ ብምስጢር ተዓቂቡ ምስ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ቻት ክትገብር ትኽእል። ቻት ክትገብር ዘይትደሊ እንተደኣ ኮይንካ ድማ ካብዘን ማሕበራት ንሓዲአን ክትድውለለን ትኽእል ኢኻ።

ርእሰ-መርመራ አችኣይቪ ብኸመይ ኢኻ ትምርመሮ፧

አችኣይቪ ክትልከፍ ተኽእሎታት ዝነበረሉ ኩነታት ካብ ትቃላዕ ኣስታት 6 ሳምንታት ምስ ኣሕለፍካ ርእሰ-መርመራ ቅኑዕ ውጽኢት ከርእየካ ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግና 12 ሳምንታት ከይሓለፈ እቲ መርመራ ምሉእ ልክዕነት ኣይኮነን ዘለዎ።

1.

ኣብዚ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ቻት ብምግባር እዚ መርመራ ክትጠልቦ ትኽእል ኢኻ። ቻት ክትገብር ዘይትደሊ እንተደኣ ኮይንካ ካብዘን ማሕበራት ሓንቲአን ክትድውለለን ትኽእል ኢኻ።

2.

ብፖስጣ እንታይ ምዃና ዘይትልለ ሰታሪት ትስደደልካ፡ ኣብዛ ሰታሪት ከኣ ነቲ መርመራ ንምፍጻም ዘድልዩ መሳርሒታት ኣሎዉ።

3.

ከመይ ጌርካ ከምትገብሮ ዘርኢ ሓበሬታ ዝተሰነየ ኮይኑ እዚ መርመራ ቅድሚ ምግባርካ ኣጥብቕ ኣቢልካ ከተንብቦ ኣለካ። ኣብ ወብሳይትና ውን ብቪድዮ ኣጠቓቕምኡ ብስእላዊ መልክዕ ተገሊጹ ኣሎ።

4.

እቲ መመርመሪ ንባዕሉ ሓደ ፒሮ ዝመስል ኮይኑ ካብ ኣጻብዕኻ ሓንቲ ንጣብ ደም ብምስሓብ ኢኻ ትገብሮ፡ድሕሪኡ ከኣ ን15 ደቓይቕ ትጽበ።

5.

ውጽኢቱ በቲ ኣብቲ መመርመሪ ዝርአ ሽራጥ እዩ ዝግለጽ። ኣገባብራ መርመራ ብጥብቂ ከተንብቦ ከምዘለካ ኣይትረስዕ!

6.

ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ወይ እዚ መርመራ በይነይ ክምርመሮ ኣይደልን እየ ትብል እንተኾይንካ ካብዘን ማሕበራት ንሓዲአን ክትድውለሎም ትኽእል ኢኻ፡ ሽዑ ከም ኣብነት እቲ መርመራ እንዳገበርካዮ ብተለፎን ምሳኻ ርክብ ክህልወና ይኽእል።

ውጽኢት መርመራ ኣለካ ዝብል ኣወንታዊ እንተደኣ ኮይኑ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧

ሎሚ አችኣይቪ ጽቡቕ ኣፋውስ ዝርከበሉ ዓይነት ሕማም ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። እዞም ኣፋውስ ብነጻ ኮይኖም ኣብ ኖርወይ አችኣይቪ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ብምሉኣቶም ነዞም ኣፋውስ ዝደልዩዎም እንተደኣ ኮይኖም ይወሃቦም እዩ። እዞም ኣፋውስ ምሉእ ሂወትካ መዓልታዊ ኢኻ ክትወስዶም ዘለካ፡ ሽዑ ከይሓመምካን ንካልኦት ከይለኸፍካን ትተርፍ። አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ኣፋውሱ እንተደኣ ወሲዱ ንቡር ሂወት ክነብር ይኽእል እዩ- ቆልዓ ናይ ምውላድ ድሌት ምስ ዝህሉ ውን ብንቡር ኣገባብ ምውላድ ይከኣል እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ አችኣይቪ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። 

እቲ መርመራ ውጽኢቱ ኣወንታዊ እንተደኣ ኮይኑ ሓገዝ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክግበረልካ ኣሎዎ፡ ንኣብነት እቲ ውጽኢት ቅኑዕ ምዃኑ ሓኪም ከረጋግጸልካ። ካብዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ማሕበራት ንሓዲአን ክትውከሰን ንምሕጸነካ፡ ሽዑ ንሕና ነዚ ዝምልከት ክንሕግዘካ ንኽእል። ክትውከሰና ዘይትደሊ እንተደኣ ኮይንካ ድማ ንቀዋሚ ሓኪምካ ክትውከሶ ንምሕጸነካ።

ንገሊኦም ርእሰ-መርመራ ተመርሚሮም አችኣይቪ ተረኺቡ ዝብል ኣወንታዊ ውጽኢት ክርእዩዎ ይኸብዶም እዩ። በይንኻ ከምዘይኮንካ ኣይትረስዕ፡ ንሕና ድማ ክንሕግዘካ ኢና። 

እዚ መርመራ ግጉይ ውጽኢት ዘርእየሉ እዋናት ከምዘሎ ክትፈልጥ ኣገዳሲ እዩ። አችኣይቪ ክትልከፈሉ ተኽእሎታት ዝነበሮ ኩነታት ካብ ዝኽሰት 12 ሳምንታት ዘየሕለፍካ እንተደኣ ኮይንካ ዋላ አችኣይቪ ተለኺፍካ ከለኻ እቲ ውጽኢት ኣሉታዊ ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ። በቲ ሓደ ወገን ድማ እቲ ውጽኢት አችኣይቪ ኣለካ ዝብል እንተኾይኑ እዚ ውን ጌጋ ክኸውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ አችኣይቪ ከምዘለካ ሰራሕኛታት ጥዕና ብመርመራ ደም ከረጋግጹልካ ኣመና ኣገዳሲ እዩ።

መን ክሕግዘኒ ይኽእል፧

Hivtest.no ዝበሃል ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ማሕበራት ዝካየድ ምትሕብባር እዩ። እዚኣቶም ብዛዕባ እቲ መርመራ ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ካብ ምሕጋዝ ሓሊፎም ኣብቲ ትምርመረሉ እዋን ውን ብቻት ወይ ብተለፎን ምሳኻ ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ውጽኢት ኣወንታዊ ምስ ዝኸውን ውን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

Church City Mission

ኣብ ኖርወይ ምሉእ ዘለዋ ከተማታት ዝሰርሕ ማሕበር እዩ። ኣብ ጉዳያት አችኣይቪ ንልዕሊ 30 ዓመታት ሰሪሕና ኣለና። ንሕና ንኩላቶም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ክንሕግዞም ንኽእል ኢና፡ ወይ ንኣብነት ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ኣባላት ስድራቤቶም ወይ መሓዙቶም ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ኣብዚ ብምሉኦም ምስ አችኣይቪ ዝተሓሓዙ ነበርክቶም ሓገዛት ብምሉኦም ብዝርዝር ቀሪቦም ኣሎዉ:
  • ፍጡን መርመራ አችኣይቪ –  ብነጻን መንነትካ ብምስጢር ዝዕቀበሉ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ እዩ ዝመጻካ
  •  ሓበሬታ ብዛዕባ አችኣይቪ፡ምዝርራብን ምኽርታትን። 
  • ኣስተምህሮ ንፍልሰተኛታት/ስደተኛታትን ዓበይትን፡ ከምኡ’ውን ምስ አችኣይቪ ዝነብሩ ቆልዑ። 
  • ካልኦት ምስ አችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት ክትራኸብ ትኽእል። 
  • ምስ አችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት ክሓድሩሉ ዝኽእሉሉ ቦታ

  
ኣድራሻ: Hammersborg Torg 3, 0179 Oslo.
ተለፎን: 23 12 18 20 
ኢመይል: firmapost.aksept@bymisjon.no

ኣተርጓሚ ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ ንኽትድውል ክሕግዘካ ዝኽእል ሰብ ክትረክብ ንምሕጸነካ፡ ሽዑ ኣተርጓሚ ከምዘድልየካ ትሕብረና እሞ ብተለፎን ዘቶርጉም ኣተርጓሚ ክንጠልበልካ ንኽእል።

  • ፍጡን መርመራ አችኣይቪ –  ብነጻን መንነትካ ብምስጢር ዝዕቀበሉ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ እዩ ዝመጻካ
  • ሓበሬታ ብዛዕባ አችኣይቪ፡ምዝርራብን ምኽርታትን። 
  • ካልኦት ምስ አችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት ክትራኸብ ትኽእል።


ኣድራሻ: Bergljots gate 4 B, 7030 Trondheim
ተለፎን: 47 47 33 05
ኢመይልhealth@bymisjon.no

 

ኣተርጓሚ ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ ንኽትድውል ክሕግዘካ ዝኽእል ሰብ ክትረክብ ንምሕጸነካ፡ ሽዑ ኣተርጓሚ ከምዘድልየካ ትሕብረና እሞ ብተለፎን ዘቶርጉም ኣተርጓሚ ክንጠልበልካ ንኽእል።

  • ፍጡን መርመራ አችኣይቪ –  ብነጻን መንነትካ ብምስጢር ዝዕቀበሉ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ እዩ ዝመጻካ
  • ሓበሬታ ብዛዕባ አችኣይቪ፡ምዝርራብን ምኽርታትን። 
  • ካልኦት ምስ አችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት ክትራኸብ ትኽእል።


ኣድራሻ: Kong Oscars gate 62
ተለፎን: 971 11 876

ኢመይል: bergen@minuttest.no

ኣተርጓሚ ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ ንኽትድውል ክሕግዘካ ዝኽእል ሰብ ክትረክብ ንምሕጸነካ፡ ሽዑ ኣተርጓሚ ከምዘድልየካ ትሕብረና እሞ ብተለፎን ዘቶርጉም ኣተርጓሚ ክንጠልበልካ ንኽእል።

Stiftelsen Helseutvalget

ቦታና ኣብ ኦስሎ ኮይኑ ኣብ ካልኦት ቦታታት ኖርወይ ውን ንርከብ ኢና። ካብ 1983 ኣትሒዝና ኢና ኣብ ጉዳያት አችኣይቪ ክንሰርሕ ጸኒሕና ዘለና። ብዛዕባ ርእሰ-መርመራ ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ወይ መዛርብቲ ሰብ ትደሊ እንተደኣ ኮይንካ ክንሕግዘካ ኢና። ከም ተወሳኺ ውን መርመራ ብምግባርን ብምዝርራብን ንህቦ ርእሱ ዝኸኣለ ሓገዝ ኣለና፡እዚ ሓገዝ እዚ ከኣ sjekkpunkt ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብነጻ ኮይኑ መንነትካ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ብምስጢር እዩ ዝዕቀበልካ። ኣብ ቦታና ምሁራት ሰራሕተኛታትን ከምቶም ብኣና ዝሕገዙ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝርከቡ ገበርቲ ሰናይን ክትረክብ ኢኻ።
  • ዝርርባትን መርመራታትን
  •  ፍጡን መርመራታት አችኣይቭን ፍንጣጣን ብነጻን መንነትካ ብምስጢር ዝዕቀበሉ ኣገባብን፡ እቲ ውጽኢት ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ይመጻካ።
  • ሓበሬታ ብዛዕባ አችኣይቪ፡ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ምኽርታትን።
    ኣብ ባራት/ዲስኮታት፡ሳውናታትን ጾታዊ ርክብ ዝካየደሎም ቦታታትን ውን ክትረኽበና ትኽእል ኢኻ።

ኣድራሻ: Arbeidersamfunnets plass 1 (መእተዊ ካብ ጎደና torggata).
ተለፎን: 23 35 72 01
መንነትካ ብምስጢር ተዓቂቡ ቻት ትገብረሉ: www.helseutvalget.no/sjekkpunkt

  • ኣብቲ ትርከበሉ ቦታታት መዓስ መርመራታት ከምንገብር ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ: www.helseutvalget.no/sjekkpunkt
  •  ኣብ በርገን መንነት ተመርመርቲ ብምስጢር እንዳዓቀብና ብነጻ ብቐጻሊ ኢና መርመራታት ነካይድ። ከም ተወሳኺ ናብ ትሮንድሀይም፡ስታቫንገርን ክሪስትያንሳንድን ውን ንኸይድ ኢና።
  •  

HivNorge

ምስ አችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት ዘማእከለ ንተሓከምትን መሰላቶምን ዝሰርሕ እንኮ ማሕበር ኖርወይ እዩ። ብአችኣይቪ ዝጽለዉ ሰባት ንመሰላቶምን ካልኦት ረብሓታቶምን ኢና ንሰርሕ፡ እዚኦም ንባዕሎም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት፡ ንአችኣይቪ ዘለዎም ሰባት መቕርቦም፡ PrEP ዝወስዱ፡ አችኣይቪ ክልከፉ ተኽእሎታት ዘለዎም ወይ ብካልእ ኣገባባት ብአችኣይቪ ዝትንከፉ ሰባት ክኾኑ ይኽእሉ። ሳላ ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት ዝሰራሕናዮ ስራሕ ገለ ካብቶም እጃምና ዘበርከትናሉ ጉዳያት ኣብ ኖርወይ PrEP ከምዝተኣታቶ ጌርና፡ አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ስጋዊ ርክብ ብምፍጻሞም ካብ መቕጻዕቲ ነጻ ከምዝኾኑ ብምግባር ገበናዊ ሕጊ ከምዝቕየር ጌርና፡ ከምኡ’ውን ኩላቶም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት መድሕን ሂወትን ስንክልናን ክወዓዓሉ ኣኽኢልናዮም።
  •  ተለፎን: 21 31 45 80
  • ወብሳይት: www.Hivnorge.no
  • Rosenkrantz gate 4, 0159 Oslo

Skeiv Verden

ሃገራዊ ማሕበር ኮይኑ ንካልእ መበቆል ዘለዎም LHBTIQ+ ዝኾኑ ሰባት እዩ ዝሰርሓሎም። ርእስና ዝኸኣልና ካብ ሃይማኖትን ፓለቲካን ነጻ ዝኾንና ማሕበር ኮይንና ኣብ ሕብረተሰብና ኩሉ ሰብ ብሄራውን ሃይማኖታውን መበቆሉ ብዘየገድስ ኣድልዎ ከይተሰመዖ ጾታዊ ዝንባለታቱ፡ ጾታዊ መንነቱ ወይ ጾታዊ መግለጺታቱ ክገልጽ ዕድል ክረክብ ኢና ንሰርሕ። ምሳና ብወለንታ ዝነጥፉን ኣባላትናን ዝተፈላለዩ መበቆላት እዩ ዘለዎም፡ ማለት ዝተፈላለዩ ዓሌታውን ዘይዓሌታውን መበቆላት ወይ ድሕረ-ባይታታት እዩ ዘለዎም። ገለ ካብቶም ንስራሕና ዘማእክሉ ጉጅለታት ሓተትቲ ዑቕባ፡ንስራሕ ዝመጹ ወጻእተኛታት፡ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ፡ ኣብ ኖርወይ ዝተወልዱ ካልእ መበቆል ዘለዎም ሰባትን እዮም። ሸይቭ ቨርደን ኣተኩሮ ሂብና ንሰርሓሉ ውሑሳትን ምእሙማትን መራኸቢ ባይታታት ምጥጣሕ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ዝተፈልየ ጾታዊ ዝንባለታት ዘለዎም ሰባት ነፍሶም መሲሎም ብግሉጽነት ክሳተፉ፡ ምስ ተመሳሳሊ ተመኩሮታት ዘለዎም ካልኦት ሰባት ክራኸቡ፡ ከምኡ’ውን ካልእ መበቆል ዘለዎም ዝተፈልየ ጾታዊ ዝንባለ ሃልዩዎም ንኽነብሩ ንሂወቶም ዘቃልለሎም ደገፍን ኣፍልጦን ክድልቡ።

ሓበሬታ ብዛዕባ አችኣይቪ:

አችኣይቪ እንታይ እዩ፧

አችኣይቪ ኣሕጽሮተ ቃላት ናይ humant immunsvikt-virus(ሰውነትና ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዘጥቅዕ ቫይረስ) እዩ። እዚ ሕማም እዚ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ከለኻ፡ ካብ ኣደ ናብ ውላዳ ወይ ብደም ተሰካሚ ናይቲ ሕማም ዝኾነ ሰብ ክመሓላለፍ ዝኽእል ሕማም እዩ። ኣብ ኖርወይ አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ብምሉኣቶም እዩ ኣፋውስ ብነጻ ዝወሃቦም። ኣፋውስ ክትወስድ ከለኻ ከም ጥዑይ ትነብር፡ ንቡር ሂወት ተሕልፍን ንካልኦት አችኣይቪ ከተመሓላልፈሎም ኣይትኽእልን። ሓታቲ ዑቕባ እንተደኣ ኮይንካ አችኣይቪ ይሃልውካ ኣይሃልውካ ብዘየገድስ ንጉዳይ ዑቕባኻ ዝኾነ ጽልዋ ኣየሕድረሉን እዩ። አችኣይቭን አይድስን ነንበይኑ እዩ። አችኣይቪ ኣፋውስ ክትወስድ ከለኻ ንቡር ሂወት ክትነብር ዘኽእለካ ሕማም እዩ። አይድስ አችኣይቪ ሃልዩካ ኣፋውስካ ምስ ዘይትወስድ ክሕዘካ ዝኽእል ሕማም እዩ። ኣፋውስ እንተደኣ ዘይወሲድካ አይድስ ሞት የኸስት እዩ።

አችኣይቪ ብኸመይ እዩ ዝመሓላለፍ፧

  • ምስ አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ብዘይ ኮንዶም ስጋዊ ርክብ እንተደኣ ፈጺምካ አችኣይቪ ክትልከፍ ትኽእል ኢኻ። 
  • አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ዝተጠቐመላ መርፍእ እንተደኣ ተጠቒምካ አችኣይቪ ክትልከፍ ትኽእል ኢኻ። 
  • ጥንስቲ ኣደ አችኣይቪ እንተደኣ ሃልዩዋ መዓልታዊ ኣፋውስ አችኣይቪ እንተደኣ ዘይወሲዳ ውላዳ ብአችኣይቪ ክልከፍ ተኽእሎታት ኣሎ። 
  • ኣብ ገሊኦም ሃገራት ደም ካብ ሓደ ስብ ናብ ካልእ ክሰጋገር ከሎ (እዚ ንሃገረ ኖርወይ ዝምልከት ኣይኮነን).

አችኣይቪ ብኸመይ ኣይመሓላለፍን፧

  • እቲ አችኣይቪ ዘለዎ ሰብ ኣፋውሱ መዓልታዊ እንተደኣ ወሲዱ እሞ ኸኣ እቶም ኣፋውስ ጽቡቕ እንተደኣ ሰሪሖምሉ አችኣይቪ ኣይመሓላለፍን እዩ። 
  • ብጥፍጣፍ፡ብንብዓት ወይ ሽንቲ ማይ ኣይሓልፈካን እዩ። 
  • ምስ ካልኦት ሰባት ብምዃን ወይ ምስ ጎረባብትኻ፡መሓዙትካን ስድራቤትካን ንቡር ርክባት ብምክያድ አችኣይቪ ኣይሕዘካን እዩ። 
  • ምስ ካልኦት ሰባት መግቢ፡ዝስተ፡ዓይኒ-ምድሪ ወይ መሕጸቢ ባኞ ብምክፋልካ አችኣይቪ ኣይሕዘካን እዩ። 
  • ንካልኦት ሰባት ብምስዓም ወይ ብምትንካፍ አችኣይቪ ኣይሕዘካን እዩ. 
  • አችኣይቪ ካብ እንስሳታት ኣይሓልፈካን እዩ፡ ንኣብነት ጣንጡ። 
  • PrEP አችኣይቪ ከይሕዘካ ዝከላኸለልካ ፈውሲ እዩ። ኣስጋኢ ስጋዊ ርክብ ትፍጽም እንተደኣ ኮይንካ ሓኪምካ እዚ ፈውሲ እዚ ክህበካ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ተወከሰና።

ብኸመይ ኢኻ መርመራ አችኣይቪ ተካይድ፧

  • አችኣይቪ ብዙሕ ግዜ ዝኾነ ምልክትታት ኣይትርእየሉን ኢኻ። 
  • ኣለካ ድዩ የብልካን እንኮ ክትፈልጠሉ ትኽእል ኣገባብ ብመርመራ ደም እዩ። 
    • ኣብ እንዳ ቀዋሚ ሓኪምካ ወይ መመርመሪ ክሊኒክ መርመራ ደም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ሰሙን ውጽኢት ይመጻካ። 
    • ኣብ ብዙሕ ቦታታት ፍጡን-መርመራ አችኣይቪ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብነጻ ኮይኑ መንነትካ ብምስጢር ብዝዕቀበሉ ኣገባብ ከኣ እዩ ዝካየድ፡ ከምኡ’ውን ውጽኢት ብቐጥታ እዩ ዝመጻካ። 

ኣብዚ ቻት ብምግባር ብፖስጣ መመርመሪ ርእሰ-መርመራ አችኣይቪ ክስደደልካ ይኽእል እዩ። 

ምስ አችኣይቪ ምንባር ከመይ እዩ፧

  • ሎሚ አችኣይቪ ምሉእ ሂወትካ ምሳኻ ዝነብር ሕማም እዩ ብምባል ኢና ንገልጾ። 
  • ነዚ ቫይረስ ዝኣሊ ፈውሲ ወይ ኣገባብ የለን፡ እንተኾነ ግና ካብ ሕማምን ሞትን ዝከላኸሉልካ ብቑዓት ኣፋውስ ኣሎዉ። 
  • ኣብ ኖርወይ ብምሉኦም አችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ኣፋውስ ብነጻ ክወሃቦም ይኽእል እዩ። 
  • ምሉእ ሂወትካ መዓልታዊ ኣፋውስ ክትወስድ ኣለካ። 
  • ኣፋውስ ክትወስድ ከለኻን እቶም ኣፋውስ ጽቡቕ ጌሮም ክሰርሑልካ ከለዉን ንካልኦት ክትለኽፎም ኣይትኽእልን ኢኻ። 
  • ኣፋውስ ክትወስድ ከለኻን እቶም ኣፋውስ ጽቡቕ ጌሮም ክሰርሑልካ ከለዉን መጻምድትኻ ወይ ውላድካ ከይተለኸፉ ብንቡር ኣገባብ ቆልዓ ምውላድ ይከኣል  እዩ። 
  • እዚ ማለት ዕምርኻን ጽባቐ ሂወትካን ማዕረ እቶም አችኣይቪ ዘይብሎም ሰባት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብፍቕሪ ዓርኪ ክትሕዝ፡ ቆልዑ ክትወልድ፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ክትዋፈርን ንቡርን ጽቡቕን ዝኾነ ሂወት ከተሕልፍን ትኽእል ማለት እዩ። 
  • ኣብ ኖርወይ ኣስታት 4000 ሰባት አችኣይቪ ዘለዎም ኣሎዉ። ስለዚ አችኣይቪ እንተደኣ ሒዙካ በይንኻ ኣይኮንካን ማለት እዩ። ዝኾነ ሰብ አችኣይቪ ክሕዞ ይኽእል እዩ፡ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፡ መበቆል ሃገርካ ወይ ምስ መን ስጋዊ ርክብ ትፍጽም ብዘየገድስ።
  • ብዙሓት ማሕበራት ኣብ ሃገር ምሉእ ብአችኣይቪ ንዝተተንከፉ ሰባት ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሓገዛት የበርክታሎም እየን፡ ከምኡ’ውን ሽሕ’ኳ ኣፋውስ ብቑዓት ይኹኑ ንገሊኦም አችኣይቪ ተሰኪሞም ክነብሩ ከምዝኸብዶም ንፈልጥ ኢና።

ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት:

ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከም ፍንጣጣ፡ጅግልን ክላሚድያን ውን ከይህልወካ ንምፍላጥ መርመራ ክትገብር ንምሕጸነካ። ብዘይ መከላኸሊ ስጋዊ ርክብ ኣብ ትፍጽመሉ፡ምስ ሓድሽ መጻምድቲ ኣብ ትራኸበሉ ወይ ምስ ካልኦት መሳርሒታት ስጋዊ ርክብ ብሓባር ኣብ ትጥቀመሉ እዋናት መርመራ ክትገብር ይግበኣካ። ክንልከፍ ከለና ኩላትና ኣይኮንናን ምልክታት ነርኢ። ካልእ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ምስ ዝህልወካ ድማ ብአችኣይቪ ክትልከፍ ዘሎ ተኽእሎ የዛይዶ እዩ።

ቀዋሚ ሓኪምካ ንኩሎም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት መርመራ ክገብረልካ ይኽእል እዩ ወይ ኣብ መመርመሪ ክሊኒክ ክትምርመር ትኽእል ኢኻ።  (ሓበሬታ ትረኽበሉ ሊንክ: test clinic.